deutsch   |   english


ናብ ሊጋል መርበብ - ቤ/ት ጽሕፈት ጠበቓ ንውክልና ጉዳያት ወጻእተኛታት/ስደተኛታት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

ብዛዕባና

ንሕና ኣብ ጉዳያት ወጻእተኛታት/ስደተኛታት ኣተኲርና ንሰርሕ ቤ/ት ጽሕፈት ጠበቓታት ኢና። ስለ ኩሉ ሕጋዊ መዳያት መንበሪ ወረቐት/ ዑቕባ ስደተኛታት ኮምኡውን ሕቶ ዜግነት ዝምልከት ብሉጽ ምኽርን ውክልናን ካብ ክ ኢላታትና ክትረኽቡ ትኽእሉ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ መዳያት ማሕበራዊ ረድኤትን መሰላትን ዝምልከቱ ምኽሪ ነበርክት፡፡ ንሕቶ ገበናት ወጻእተኛታት/ስደተኛታት ዝምልከት ምኽርታት ንህብ። ብዛዕባ ሕጊ ወጻእተኛታትን/ስደተኛታትን ዝምልከት ኣስተምህሮ ክትጠልቡ ምስ እትደልዮ ክትውከሱና ትኽእሉ።

መርገጽና

ንሕና ጠበቓታት ኣብ ሕጋዊ ጸገማትኩም ኣብ ጎንኹም ደው ንብል። ንኽትርድኦ ንጹርን ብሩሕን ቋንቋ ልዝብ ምስ ንውክሎም ሰባት ክንጥቀም ንዓና ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ። ስራሕና ንጹር ፖለቲካዊ መርገጽን ዕላማ ዝሓዘ እዩ፣ ምስቶም ብምሕደራታት ዘጋጥሙ ገለልቲ ኣተሓሕዛን፡ ዝምቡል ኣጠቓቕማ ስልጣንን ክቃወሙ ዝደልዩ ሰባት ንውግን።

ኣድራሻ

legal links
Kanzlei für Migrationsrecht
Mehringdamm 42
10961 Berlin

በዚ ዝስዕብ መንገዲ ክትረኽቡና ትኽእሉ

ኢ-መይል: info@legal-links.de
ቴሌፎን: +49 30 78 89 38 80
ፋክስ: +49 30 78 89 38 81

ዝኽፈተሉ ሰዓታት:

ሰኑይ, ሰሉስ, ሓሙስ, ዓርቢ ሰዓት 10:00 – 13:00
ሰኑይ, ሰሉስ, ሓሙስ ሰዓት 15:-17:00
ረቡዕ ዕጹው እዩ።

ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ትርከብ፡፡ ብኽብረትኩም ቤት ጽሕፈትና ንሰብ ዓረብያ/ስንኩላን ካብ ጸገማት ነጻ ኣይኮነን። ብቖጸራ ተሰማሚዕካ ዝርርብ ብቪዲኦ ኮንፈረንስ ይከኣል እዩ። ኣብ ፈላሚ መላለዪ መዓልቲ ቆጸራ፡ እንታይ ዝመስሉ ሕጋዊ ኣማራጺታትን መንገዲ ስጉምትታትን ከምዘለዉኹም ንረዳዳእ። ኣወንታውን ኣሉታውን ወገናት ናይቶም ዝተፈላላዩ ኣማራጽትን ስጉምቲታትን ንሕብረኩም። ናብ ትደልይዎ ንኽትበጽሑ ብመሰረቱ ሓገዝ ጠበቓ ኣድላዪ ድዩ ኣይኮነን ሓቢርና ንርኢ። ክፍሊት ውክልናና እንታይ ይመስል ንሕብረኩም። ብድሕሪ እቲ ፈላሚ ልዝብ ኣብ ምሕደራታት ወይ ውን ኣገዳሲ እንተኾይኑ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪብኩም መሰልኩም ክትሓቱ ንውክለኩም። ቋንቋ ጀርመን ወይ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይትመልኩ ምስ ትኾኑ፡ ተርጓሚ/ት ሒዝኩም ክትመጹ ንምሕጸነኩም።



ተወሳኺ ሓበሬታታት ብቋንቋ እንግሊዝ ኣብቲ መርበብና ተወከሱ። → www.legal-links.de/en/